ንንማሕበረሰብና ዝኸውን ሓዲሽ ኣዳራሽ ቊምስና
ቊምስና ቅዱስ ሃልቫርድ ኣድላዪ ምሕዳስ ኣዳራሽ ቊምስና ንምክያድ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ንጻረ ድምጺ ብድሆታት ኣጋጢሙና እዩ፣ ከምኡ እውን ምፍሳስ ማይ ነሩ። ገለ ክንገብረሉ ንሓስብ ኣለና። ብሓባር፡ ኣዳራሽ ቊምስናና ዝበለፀ መጋባእያ ንግበሮ። .

እዚ ወሰኽ እዚ ስለምንታይ አድለየ፣
ኣዳራሽ ቊምስና ምእመናን ዚጋብኡሉ ኣገዳሲ መአከቢ ቦታ እዩ። እዚ ኽፍሊ እዚ ንኸም ትምህርቲ ክርስቶስ፥ ኣኼባታትን ንቡን ቤተ-ክርስትያንን ከምኡውን አብ በዓላት ዝኣመሰለ ብዙሕ ንጥፈታት ንምርኻብ እንጥቀመሉ ኽፍሊ እዩ። ንብዙሕ ዓመታት ነቲ ኽፍሊ ብፍላይ ከኣ ንንጻረ መጒልሒ ድምጺ ንምምሕያሽ ባህጊ ነበሮ።
እቲ ብምዝራቊ ማይ ከጸግም ዝጸንሐ ናሕሲ አብዚ ሕጂ እዋን ብመንበረ ጵጵስና አብ ምጽጋን ይርከብ፣፣ ንአዳራሽ ቊምስናና ምሕዳስከስ ምቹእ ግዜ ሕጂ እዩ፣፣ አበይከ ክንበጽሕ ንደሊ አሎና እንተበልና፥
- ዝሓሸ ንጻረ ድምጺ፦ ኣብ መንደቕን ናሕስን ንንጻረ ድምጺ ዝሕግዙ ፓነላት ምትካል።
- ድምጺ ዘህድእን ነቲ ክፍሊ ዝያዳ ውዑይን ኩለንተናዊ መልክዕ ዝህብን ሓድሽ መከላኸሊ ምድራብ። ዘሎ ምድሪቤት ድሮ ኣብ መወዳእታ ጥቅሚ ዕድሚኡ በጺሑ ኣሎ።
- ዝተመሓየሸ መብራህቲ ብዘመናዊን ብዙሕ ጸዓት ዘይደሊአምፑላት ምትካእ።
- ናይ ቤተክርስትያን ቡንን ፍጻሜታትን ደስ ብዘብል መንገዲ እትግልገለሉ ዝሓሸ አቊሑት ገዛ ምድላው፣፣

ኣብ መዓልታዊ ኣጠቓቕማ ምምሕያሻት።
ብዘይካ እቲ ናይ ስነ-ጽባቐ ለውጢ፡ እቲ ኣዳራሽ ንኣጠቓቕማ ዝቐለለን ተዓጻጻፍን ዝገብሮ ምምሕያሻት ክረክብ እዩ፤.
- ሓድሽ፣ ብልሒ ዘለዎ ሞዱላር ቡፌን፣ ንዳግመ-ምጥቃም ምንጪ ምልላይን፥
- ንቐሊል ኣተሓሕዛ ዝያዳ ንተጠቃሚ ምቹእ ዝኾኑ ኣቍሑ ገዛ፥
- ኣብ ቅድመ-ክፍሊ”ገበላ” ዝተመሓየሸ ኮፍ መበሊን ዝሓሸ መኽዘንን።
ጒዕዞ መስርሕና ካበይናበይ?
መድረኽ ምንዳፍ ፕሮጀክት ተዛዚሙ ኣብ ጽድያ 2026 ንቕድሚት ክንስጉም ድሉዋት አሎና።እቲ ዝተረፈ ምሕዳስ ኣዳራሽ ቊምስና ንምዝዛም ዘድሊ ገንዘብ ምእካብ እዩ። አብ ቤተ ክርስቲያን እውን ካልእ ኣድላዪ ጽገናታት ኪካየድ ስለዘሎዎ፣ እዚ እውን ነዚ ምውጻእ ገንዘብ እዚ ብተወሳኺ ኣገዳሲ ይገብሮ።

ምምሕያሽን ምሕዳስን ኣዳራሽ ቊምስና ኣስታት 3 ሚልዮን ክሮነር ይግመት። ኣበርክቶ ክትገብሩ ዕድል እንተረኺብኩም ዝኾነ ይኹን ህያብ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ኣብ ናይ ሓባር መጻኢ ቊምስናና ኣገዳሲ ወፍሪ ክኸውን እዩ።
ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ክጽንበሩ ተስፋ ንገብር። ብሓባር ደው ምስ እንብል፡ ምሕዳስ ናይዚ ንመላእ ቊምስና ዘገልግል ቦታ ክንርዳእ ንኽእል።
ቊምስናና እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣድላይነት ንአገልግሎት ስንድው ዝኾነ ኣዳራሽ ቊምስና እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
አበርክቶኹም አብ ኩነታት ሕይወት ሕጻናትን ኣረጋውያንን ስድራቤታትን ኮታስ ንኹሉ ኣብዚ ቊምስና ዝርክብ ለውጢ ዝፈጥር እዩ።
«ዝኾነ ይኹን ህያብ፥ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ፣ ናብቲ ዝመደብናዮ ሸቶ የቕርበና።»
ሃየ! ንኣዳራሽ ቊምስናና ብሓባር ነሐድሶ!
ምሕዳስ ኣዳራሽ ቊምስናና ንምድጋፍ
ቁጽሪ ሕሳብ፡ 3000.22.49134
ቪፕስ፡ 12124
መተሓሳሰቢ ብዛዕባ ክፍሊት፡ «Ny menighetssalen»
ዕሽር ምሃብ ጀምር!

ቪፕስ

